Legal Services Information

መምርሒ

ኩቡራት ተገልገልቲ፡ እዚ መምርሒ እዚ ብጥንቃቐ ኣንቢብኩም ብግቡእ ክትኽተልዎ ነተሓሳስብ። ከምኡ ምስ ዘይግበር ዘየድሊ ምድንጋያት ክስዕብ ይኽእል እዩ።

  1. ነፍሲ ወከፍ በዓል ጉዳይ ኣድራሽኡ ( ብእንግሊዝኛ) ክመልኦ ኣለዎ። ካልእ ሓበሬታ ዕድመ፡ ስልኪ ወዘተ ክመልእ ኣለዎ። ቁ/መንነት ዝብል ናይ ኤርትራ ማለት እዩ።
  2. ነፍሲ ወከፍ በዓል ጉዳይ ሰለስተ (3) ኤርትራዊ ዜግነት ( መንነት ወረቐት) ዘለዎም መስኻኽር ሒዙ ክቐርብ ኣለዎ፡ ኣብ ከባቢ ቤ/ጽሕፈት ቆንስ ኤርትራ ከተማ ተሮንቶ እትቅመጥ/ቲ እንተድኣ ኮይንኩም፡ ኣፈሪምኩም ምስቅዳሕ ናይ መስኻኽር ኣተሓሒዝኩም ትልኡሉልና ማለት እዩ።
  3. መሰኻኽር ናይ ዝመስክርዎ ጉዳይ እኹል ሓበሬታ ክህልዎም ይግባእ። ( ብሓሶት ምስክርነት ምሃብ ብሕጊ ከምዘሕትት ክግንዘቡ ኣለዎም።)
  4. ንምስላጥ ዝወስዶ ግዜ ሸውዓተ መዓልቲታት ይወስድ ኣብ ኢድና ምስ ኣተወ።
  5. ነዚ ኣገልግሎት ሱሳ ($60.00) ናይ ካናዳ ዶላር ይኽፈል፡ ብተወሳኺ ንኤርትራ ብፋኽስ ዝላኣከሉ ብዓል ጉዳይ ($10) ይውስኽ ማለት እዩ።
  6. ንዝኾነ ዜጋ ናይ መሕወይ ግብሪ 2% ካብ ደሞዙ ዘይከፈለ እዚ ኣገልግሎት ሕጋውነት ኣይ ህልዎን፥ ስለዚ ንመሕወይ ግብሪ ዝምልከት ሰነዳትኩም(Documents) ከምዝጥዕመኩ ጌርኩም ኣብ ኤርትራ፥ ከተማልእዎ ትኽእሉ።
  7.  ናይ መሳለጢ ጉዳይኩም፥ ነዘን ዝስዕባ ( ሰነድ ውክልና፡ ኩነታት መርዓ፡ ጉዳይ ንዝምልከቶ ኣካልን፡ ነባርነትን ወዘተ.) ዝምልከት፥ ዓይነት ኣከፋፍላ ማኒ ኦርደር ኮይኑ ብስም ( Consulate General of the State of Eritrea)

 

Power of attorney (ሰነድ ውክልና)

Affidavit Marital Status  (ኩነታት መርዓ)

“To Whom It May Concern”  (ጉዳዩ ንዝምልከቶ ኣካል), etc.

Letter of Residence ( ነባርነት)

 ጉዳይ መሰነይታ መረጋገጺ ነባርነት ኣብ ወጻኢ፥ ብመልክዕ ደብዳቤ ተጻሒፉ ናብ ቤ/ጽ ፡ ጠ/ቆንሱል ኤርትራ፥ ቶሮትንቶ ካናዳ ይለኣኽ።

  • ቅዳሕ መንነት ኤርትራ ይተሓሓዝ
  • መሉእ ስም __________________________________________
  • ስም ኣብ ፓስፖርት_______________________________________
  • ቁ/ፓስፖርት__________________________________________